Nabízeno v

Kredity

PERFORMING ARTISTS
Zefen Bet
Zefen Bet
Performer
COMPOSITION & LYRICS
Tedalo Yohannes
Tedalo Yohannes
Songwriter

Texty

ከይትጋገ
ይኣምነካ እንድየ ኣሚነይ እንድዒ ለንቅነ
ብጥርጣረ ቅሳነት ስኢነ
ብኮን'ዶ ኾን ዕረፍቲ ስኢነ
ይምሕለልካ እንድየ ኣሚነይ
እንድዕለይ ሎምስ
ጃጅየ ሕምስ ኢለ ርምስ
ጥርጣረይ እምነት ምጉዳል ከይትሓስቦ
ፈሪሀካ እኮ'የ ፍርሀይ ዝዕብዕቦ
እምበር ኣይቀሰንኩን ካብ ገጸይ ኣንብቦ
እንድዕልካ ልበይ ንቁሪ ከይትህቦ
ስግኡ ምሳኺ መንፈሱ ግን የለን
ተኸታተልዮ ወዲ'ዶ ከይእመን
እናበለ ርእሰይ-ርእሰይ የሕምመለይ
ጎዶሎኻ ኣጉሊሑ ኣራቢሑ የምጻለይ
እኹልን ጽፉፍን ፍቅሪ እንዳለገሰ
ሓለፋ ኣይትድለየ ኩልኺ እንዳኣንገሰ
እናበለት ልበይ-ልበይ ትመልሰለይ
ዝፍቶ ባህርኻ ትደማምረለይ
ክጽብቃ መዓር ኣዲአን ኣይጸብቃ
ክቁንጅዋ ኩሉንትንአን ንጉስ ዘውድቃ
መሊአን ግዲ ኮይነን ኣብዚ ከተማ
እዛ ነብሰይ ተገፊፉ ኩሉ ሰላማ
ብዕምትታ'ዶ ኣላ ዓይንኻ ከምታ ዝፈልጣ
ጎዲሉ'ዶ ከም ቀደሙ'ሎ ግርማይ ንዓኻ
ሚልዮናት ዋላ ርኸብ ካባይ ዝበልጻ
ስንኻ ንኸሰለይ ከይትጋገ በቃ
ከይትጋገ እባ በጃኻ ከይትጋገ
ሰብ እንዲኻ ግን ሓደራ ከይትጋገ
ከይትጋገ እባ በጃኻ ከይትጋገ
ወዲ እንዲኻ ግን ሓደራ ከይትጋገ
ርእሱ ኣድንነለይ ንርእሰይ - ሓደራ ከይትጋገ ከይትጋገ
ልባ ኣዕግበለይ ንልበይ - ሓደራ ከይትጋገ ከይትጋገ
እንተጎዲለካ ንገረኒ ሙቀተይ ፍኖተይ
ኩሉ ክኾነልካ እንድዩ ድሌተይ
ከይትሰደኒ ካብዛ ሑቅፎኻ
ክምልሶ እየ ኩሉ ሕቶኻ
Written by: Tedalo Yohannes
instagramSharePathic_arrow_out