Featured In

Credits

Lyrics

ንዓይ ክትብሊ ዝተፈጠርኪ ቡኡነት ንዓይ
ናተይ ናይ ውልቀይ ናይ ብሕተይ ናተይ ጸሓይ
ፍትውተይ ምቅርተይ
ኣብ ምዕዋት ኩሉ ሕልምታተይ
ኢልኪ ኢኺ ምሳይ ተተይ
ሰለይ እወ ተተይ ሰለይ
ፍትው ፍትውትው ፍትው'የ ዘብለኪ ፍትዉ
ኢልኪ እንዲኺ ኣብዛ ውሽጠይ ጥሕል እወ ስጥም እትው
ኣሚንኪ ብርግጽ ከም ዝኸውን ሰብኣይ
ኩሉ እናበለኪ ንዓይ እባ ንዓይ
ምስፋሕ ኣሎ ኢልኪ ድሕሪ'ቲ ምኹርማይ
ጽምአይ ኣርዊኽዮ ኣቐቢልክኒ ማይ
ውሽጠይ መሊእክዮ ብጽቡቕ ብሰናይ
ፍትው ፍትውትው ስለዚ'የ ዘብለኪ ፍትው
ቅዱው እንድዩ ኮይኑ ምሳኺ ኩሉ ኮይኑ ቅዱው
መጥቃዕቲ ሰብ ግዜ በዓል ሃንጎሊማ
ነበር ኣስሚኽዮ መኪትኪ በልማማ
ፈታቲኖሙኺ ሂብክዮም ፈተና
ኣነ ኣነ ኮይነ ዋና
ፍትው ፍትውትው ኣይበዝሓክን'ዩ ፍትው
ኣቢልክዮ እንዲኺ ንጸደፍደፍ ዕልው እወ ዕልው
ፍትውተይ ምቅርተይ
ተስፋ ዘሪእኪ ትዕወቲ
ዘይረአ ርሑቕ ተቋምቲ
ኩለንተናይ ምልእ ምልእ
ን.መ.ን.ገ.ደ.ይ …………
ኣቢልክዮ በርሃው ኩልዕ
ጸገማተይ ጥ…ፍ…እ
ሙሉእ ኒሓ ልዕሊ ስፍሪ _ ስፍሪየየ
ኣደ ኢኺ ኣደ ፍቕሪ
ኣደ ፍቕሪ ኢኺ……
ዓቕሚ ጥራይ ይሃበኒ ዎ ዎ ዎ
ኩምራ ዕዳ ኢዩ ዘለኒ ።
instagramSharePathic_arrow_out