Texty
ፍቕረይ ዚባህረይሲ መትሓዚ ስኢንክሉ
ገለ'ለዎ ገለ ጭቕጭቕ ዘፍትወሉ
ዝሃድእ ዘይመስል ነዲሩ ሓኒኑ
ማይ እንድዩ ዝኸውን ኮይና'ታ ኣመሉ
ግብሩ ግዲ ቀንጥይዎ ምልስ ግምጥል ይብል 'ታይ'ሞ ፈሊጠሉ
ገለ'ሎ'ምበር ገለ ዓስዓስ ዘብለኒ
ብቑጠዐ ኣዕሪጉ ሰማይ ዝሰቕለኒ
ኣቤት ሸበርበረይ ድሕሪኡ ዝዀኖ
ከብደይ ትበልዕኒ ንብዓትኪ እንክፍኖ
'ቲ ውኖይ ኣይተኻእለን
'ቲ ሙደይ ወ'ቲ ሙደይ ኣይተኻእለን
እወ'ቲ ዉኖይ ኣይተኻእለን
እሞ ድማ ንዓኺ ንዓኺ ኢድኪ ኣይኰነን
ሓፍ ኮፍ ክብል ከብድኺ ክትጭነቒ'ሞ 'ስእሎ
ኣይ ብጣዕሳ እንድየ ዝልሎ
ቂመኛ ዘይምዃኑስ ልበይ ጽልኢ ዘይቦቕሎ
እናጉሃየኪ ማዕሬኺ ይቑሎ!
መዓረየ ምሳኺ'የ ዝቑሎ!
ከምዛ ዘይከድኩ ወዲአ'ይለ
ማዕጾ ብድሕረይ ገም ኣቢለ
ምሽት 'ዛልበይ ዋይ ኣነ ኣነ
ብኣኽን ንዓኽንሲ ተቐዪመ ነይክእሎ
ንእለት ተቓጺለ ሽዓ ምልስ ተሎ
ንኣንፈይ ዶ ክናዘዝ ትንክፍክፍ ከብሎ
'ታዩ'ኸ ዝኹራኺስ ፍትውውትው ዘብሎ!
ገለስ ኣሎ'ምበር ገለ ዝለመድናዮ
ጭቕጭቕን ምስጢሩን ዘይበጻሕናዮ
'ቲ ኽንተኣባበድ ድሕሪ ባእሲ
ኣቲ ኽንደይ ከ ጥዕም 'ቲሕስይ-ምስይ
በዝን ወዲ ኸምዝን'የ ገለ'ሎ ዝብል
ብሓንቲ ፍሽኽታ ዶ ሰብ ማይ ይኸውን
ጉዱ'ፈለጥ እምበር ዚኹሉ ደበንበን
ብሓንቲ ስዕማኺስ ይዝረግ ይብተን
ኣ! ይቕሬታ ፍቕረየ ወለሎ
ጭቕጭቕ መቋስይቲ ፍቕሪ ዶ ክብሎ!
ኣ! ፍቕረየ እንድዕለይ 'ታይ ክብሎ
ጃሕጃሕ ዝብል ፍቕሪስ ኣብ ቦታኡ እኮ'ሎ!