Hudební video
Hudební video
Kredity
PERFORMING ARTISTS
Yemane Barya
Performer
COMPOSITION & LYRICS
Yemane Barya
Composer
Texty
ኣይትጨነቒ ብኣይ ኣይትሰከፊ
እኽእሎ'የ ኣነ ጭንቂ ፈቐዶ ሓላፊ
ኣይትጨነቒ ብኣይ ኣይትሳቐዪ
ዝኾነስ ኮይኑ'ዩ እስኺ ቆልዑ ርኣዪ
እንተኾነ'ውን ናብራ እንተጸልመተ
እኽእሎ'የ ኣነ ዓይነይ ተዓሚተ
እንተኾነ'ውን ናብራ መጻብቦ
ኣይትጨነቒ ኣጆኺ ኣለኒ ሓቦ
ኣይጥዑምን'ዩ ናብራ ብዓይኒ ማዕዶ
ዘይውጻእ ገደል እሾኽ ዝጋረዶ
ኣይጥዑምን'ዩ ናብራ ተፈላሊኻ
ናይ ግድን'ዩ ግን ምኽኣል ዝወረደካ
ዝመጸ ይምጻእ ዘጓነፈኒ
ዝመጸ ይምጻእ ዘጓነፈኒ
እኽእሎ'የ ኣነ ሓፍተይ ከምዝሃበኒ
ዝወረደ እውረድ ብዘየገድስ
ዝወረደ እውረድ ብዘየገድስ
እኽእሎ'የ ኣነ ኣብ ዒላ ኣትየ ኽሕምብስ
ኣይትጨነቒ ብኣይ ኣይትሰከፊ
እኽእሎ'የ ኣነስ ጭንቂ ፈቐዶ ሓላፊ
ኣይትጨነቒ ብኣይ ኣይትሳቐዪ
ዝኾነስ ኮይኑ'ዩ እስኺ ቆልዑ ርኣዪ
ናይ ምንባር መኽሰብ ፍቕሪ'ዩ ዓቢ ግደ
ስልማት ገዛ ህጻን ምስ ተወልደ
ትርጉሙ ንሱ'ዩ ህይወት ብተስፋ ምንባር
ቃል ኪዳን'ውን እምነት'ዩ ምክብባር
ቀሊል ኣይኮነን ናብራ'ዩ ፈተነ
ገሊኡ እስሕቕ ሓዘን ኣብ ገለገለ
ናይ ህይወት ጉዕዞ ባህርያዊ ተፈጥሮ
ገለ ኣብ ኣዳራሽ ገለ ኣብ መንቀራቕሮ
ዝመጸ ይምጻእ ዘጓነፈኒ
ዝመጸ ይምጻእ ዘጓነፈኒ
እኽእሎ'የ ኣነ ሓፍተይ ከምዝሃበኒ
ዝወረደ እውረድ ብዘየገድስ
ዝወረደ እውረድ ብዘየገድስ
እኽእሎ'የ ኣነ ኣብ ዒላ ኣትየ ኽሕምብስ
ኣይትጨነቒ ብኣይ ኣይትሰከፊ
እኽእሎ'የ ኣነ ጭንቂ ፈቐዶ ሓላፊ
ኣይትጨነቒ ብኣይ ኣይትሳቐዪ
ዝኾነስ ኮይኑ'ዩ እስኺ ቆልዑ ርኣዪ
ዝመጸ ይምጻእ ዘጓነፈኒ
እኽእሎ'የ ኣነ ከምዝሃበኒ
ዝመጸ ይምጻእ ዘጓነፈኒ
እኽእሎ'የ ኣነ ከምዝሃበኒ
ዝወረደ እውረድ ብዘየገድስ
እኽእሎ'የ ኣነ [?] ኽሕምብስ
ዝመጸ ይምጻእ ዘጓነፈኒ
እኽእሎ'የ ኣነ ከምዝሃበኒ
ኣይትጨነቒ ኣይትሰከፊ
እኽእሎ'የ ኣነ ኩሉ ሓላፊ
ኣይትጨነቒ ኣይትሰከፊ
Written by: Yemane Barya