में प्रस्तुत

क्रेडिट्स

गाने

ሰብ ይጓዓዝ ጸገሙ ናብ ዝመርሖ
ብኾንዶኾን ንኽፈትሖ
ንተስፋ ከም ላምባዲና ተጠቒሙ
ክሳብ ዘብቕዕ ጸላሙ
ኣበይ ዘይነጥብ ከግህድ ሕልሙ
ናብራ ስደት ከቢዱ እንዳመረሮ
ንሽግሩ ብፍሽኽታ ይቐብሮ
ከም ሞት ሕጹይ ምስኮኖ እቲ መንብሮ
ከይፈተወ ንብዓቱ ይስውሮ
ይርህጽ ይደክም ክመልኣ ሞሶቡ
ከም ሰብኣሰገል የናዲ ኮኾቡ
ክሳብ ፈጣሪኡ ይኣኽለካ ዝብሎ
ናብ’ ታ ዳዕሩኡ መሊሱ ዘጽልሎ
ኣይሮፕላነ - ከምሰገርክኒ ውቅያኖስ ጨዲድኪ
                ሓንቲ ንጉሆላ ንዓደይ ዝብለኪ
ኣይሮፕላነ - እቲ ስደተኛ ዝብል ሳጓ ኣልየ
                 ናብ ማሙቕ ቤተይ ንቐሊ ክብልየ
ግዜ ፈጣን - ግዜ ሃዳሚ
ክሓጊ ኢለስ - ኮይነ ከራሚ
ምስሊ ናይ ዓደይ ካብ ዓይነይ ከይክወል
ናፍቖት ኣሎ እንዶ መንቕሒ ደወል
ይርሓቕ ይቕረብ - እዋን ምምላሰይ
ዜረዜረስ - ናብ ቕጭን ዳሰይ
ነበረ እንድዩ - ክኸውን ምርሓቐይ
ንብዕ ኔረስ ናብታሰሓቐይ
ዓደይ ዓደይ - ክብለኪየ ኣብታሰዓተይ
ኣይሮፕላን - ንስኺ ወሳዲተይ
                 ባዕልኺ መላሲተይ
ዓደየ ዓደየ ዓደየ ዓደየ_______
instagramSharePathic_arrow_out