album cover
Lilo
8765
Worldwide
Lilo è stato pubblicato il 25 luglio 2017 da Ella Records come parte dell'album Lilo - Single
album cover
Data di uscita25 luglio 2017
EtichettaElla Records
Melodicità
Acousticità
Valence
Ballabilità
Energia
BPM85

Crediti

PERFORMING ARTISTS
Temesghen Yared
Temesghen Yared
Performer
COMPOSITION & LYRICS
Temesghen Yared
Temesghen Yared
Composer

Testi

ሊሎ ሊሎ መሸላ ኹላሎ
እንዳ ገብረ ኣዳል'ከ እንታይ ይውረ'ሎ
ሊሎ ሊሎ መሸላ ኹላሎ
እህእ
ንዓ ሃባ ብዕራይ ወዲ ላሕሚ
ናትካ ቕጫ ናየዴኻ ጠስሚ
ዱቋ ጽራይ ዳጉሻ ኸራሚ
ከይዓረበ ንዕመማ 'ዛ ትልሚ
ወይ ላለይ
'ታ ነዊተይ ዕትር ኣቢለያ
'ታ ግራተይ ሽፍን ኣቢለያ
ብጊሓቱ ግራት ጀሚረያ
ክላ ድኣ ሕጅስ ወዲአያ
ወይ ላለይ አሀይ
ኢሂ ላሎ ላሎ
ሰይ
ሊሎ ሊሎ ማሸላ ኹላሎ
እንዳ ገብረ ኣዳል'ከ 'ታይ ይውረ'ሎ
ሊሎ ሊሎ ማሸላ
'ታይ ይውረ'ሎ
ሊሎ ሊሎ ማሸላ ኹላሎ
እንዳ ገብረ ኣዳል 'ታይ ይውረ'ሎ
እቲ ቖልዓ በሊ ርኣይዮ
በቲ ድንኩል ድግፍ ኣብልዮ
'ቲ ነጸላይ ካብኡ ኣልዕልዮ
ሽንቲ ቖልዓ ኸይተሸትትዮ
ወይ ላለይ
'ታ ጀበና ስኽትት ኣብልያ
እምኒ ጌርኪ እስኪ ደግፍያ
ኩቦ ጌርኪ ኣነኻኽስያ
ምስታ ጎጎ ቕርብ ኣብልያ
ወይ ላለይ አሀይ
ላሎ ላሎይ
ተሓረስኩ ንስኺ ጎላጉሊ
ድሕሪ ጎልጏል ሓምሊ ሓማምሊ
ኪዲ ገዛ ጥሪት ተቐበሊ
ከይመሰየ ቆልዓኺ ሕዘሊ
ወይ ላለይ
ኣብዑረይ ክሳብ ዝፈታትሕ
ክሳብ ዘሳልዮም ናብቲ 'ራግሕ
ማይ'ውን ኣይሰተዩን ካብ ዝወግሕ
ቅሩብ ከባልዖም ኣብቲ 'ጻግዕ
ወይ ላለይ
ኢሂ ሂየይ ሃሃሃሃሃ
ሎ ሎይ ለለይ ለለይ
ሊሎ ሊሎ ማሸላ ኹላሎ
እንዳ ገብረ ኣዳል እንታይ ይውረ'ሎ
ሊሎ ሊሎ
'ታይ ይውረ'ሎ
ሊሎ ሊሎ ማሸላ ኹላሎ
እንዳ ገብረ ኣዳል'ከ 'ታይ ይውረ'ሎ
ሊሎ ሊሎ ማሸላ
'ታይ ይውረ'ሎ
ሊሎይ 'ዛ ነዊተይ ዕትር ኣቢለያ
ሊሎይ 'ዛ ግራተይ ሽፍን ኣቢለያ
ሊሎይ ክላ ድኣ ሕጅስ ወዲአያ
ብጣዕሚ ዜማኻ ደጊመ ብስምካ
እንጅነር ናይ ኩሉ
ልቢ ትሓድረሉ
ምስጋናይ ንዓኻ
ፍልጠተይ ዘዕበኻ
ሃይ
ሃ ሃሃ
ሃ ሃሃ
ሄሄ
ኣሃ
Written by: Temesghen Yared
instagramSharePathic_arrow_out􀆄 copy􀐅􀋲

Loading...