album cover
Yigermenilo
1874
Worldbeat
Yigermenilo è stato pubblicato il 10 agosto 2026 da SOLOMON HAILE OFFICIAL come parte dell'album Qoribelki 'Leku
album cover
Data di uscita10 agosto 2026
EtichettaSOLOMON HAILE OFFICIAL
Melodicità
Acousticità
Valence
Ballabilità
Energia
BPM76

Video musicale

Video musicale

Testi

ስራሕኩም ግበሩ ኣይደልን ሞንጎኛ
ሰብ'ዩ ሰበበኛ ሰብ'ዩ ሰበበኛ
ኣይትተንክፉለይ ኣይተልዕሉ ሽማ
ፍቕረዩ ሕማማ ኣነ'የ ጸገማ
ብሩረይ
ብሩረየ
ብሩረይ እንድያ ግዲ
ደጋፊ ሰብ ስኢነ ክኸፍኣኒ
ክኸፍኣኒ
ክኸፍኣኒ
ዘይ ንሳ ዘጸናንዕ መን ነይርኒ
መን ነይርኒ
መን ነይርኒ
ንሳ'ያ ሓቂ ንሳ'ያ 'ታ እምነት
ኣይትተንክፉለይ ትኹን ዝደለየት
ድላያ እንክስለፍ ምስ ምሉእ ንዋዪ ሃብቱ ከይሰኣነቶ
ኣይ ንዓይ ኣሚና እንድያ'ሞ ካባኻ ኣይበልጽን ኢላ ዝጠንጠነቶ
የፍቅራ'የ ልዕሊ ነብሰይ ሄዋነይ ብዛዕባኣ'ማ ምስ ሰብ ኣይዝትን
ሓንቲ መጸናንዒተይ ዘይ ንሳ መን ነይሩ ኾይኑ ኣብ ቁርጺ እዋን
ስራሕኩም ግበሩ ኣይደልን ሞንጎኛ
ሰብ'ዩ ሰበበኛ ሰብ'ዩ ሰበበኛ
ኣይትተንክፉለይ ኣይተልዕሉ ሽማ
ፍቕረዩ ሕማማ ኣነ'የ ጸገማ
ብሩረይ
ብሩረየ
ብሩረይ እንድያ ግዲ
መን'ዶ 'ለዋ ዘይ ኣነ እንተ እሳ'ማ
እንተ ንሳ'ማ
እንተ ንሳ'ማ
ከሞግሳ'የ ሰብ ከጸልማ
ከጸልማ
ከጸልማ
ብኣ'የ ዝኾርዕ ብኣ'የ ዝስውድ
ኣይንፈላለን ክሳብ ዘንትእለት
ወይዛ ምስክነይቲ ፍቕረይ ኣቤት እንከተሕዝነካ ከብዲ ኽትበልዕ
ብሳልኣ ሰብ ምስ ኮንኩ ሕጂ'ዶ ደኣ ምበዝሐ ንዓኣ ዝጸልእ
እስኪ ሕማቕ ከይወጸኒ ሰብ ከም ዝመጾ መሊሰ ኩሉ ኽኽእሎ
ምስኣ በሊዖም ዝሰትዩ ሕማቕ እንክምነዩላ ይገርመኒ'ሎ
ኣይዓበድኩን ኣነ
ኣፍቂረ 'ምበር ኣነ
ናይ ቆናጁ ቆንጆ
ናይ ወሓላሉ ወሓለ
ወዛመይ ወዛመይ
ወዛመይ ወዛመይ ከማኺ መን ኣሎ
ሳላኺ ሰብ ኮይነ ግደፋ እንክብሉኒ ኣነ እገርመኒ'ሎ
ናይ ቆናጁ ቆንጆ
ናይ ጎራዙ ጎርዞ
ናይ ወሓላሉ ወሓለ
መን ከማኺ ዝበለ
ቅጭነይ ቅጭነይ
ቅጭነይ ቅጭነይ ኢኺ ክንዲ ኹሉ
ንስኺ'ኺ ማንታይ ንወረ ናይ ጏና ኣይትገደስሉ
ናይ ቆናጁ ቆንጆ
ናይ ጎራዙ ጎርዞ
ናይ ወሓላሉ ወሓለ
መን ከማኺ'ሞ ዝበለ
(ሰይ ሰይ)
ወዛመይ ወዛመይ
ወዛመይ ወዛመይ ከማኺ መን ኣሎ
ሳላኺ ሰብ ኮይነ ግደፋ እንክብሉኒ ኣነ እገርመኒ'ሎ
ናይ ቆናጁ ቆንጆ
ናይ ጎራዙ ጎርዞ
ናይ ወሓላሉ ወሓለ
መን ከማኺ'ሞ ዝበለ
(ሰው ሰው)
Written by: Solomon Haile
instagramSharePathic_arrow_out􀆄 copy􀐅􀋲

Loading...