album cover
Zyaday
1,459
World
Zyaday은(는) {albumName} 앨범에 수록된 곡으로 2022년 1월 28일일에 Ftune에서 발매되었습니다.Zyaday - Single
album cover
발매일2022년 1월 28일
라벨Ftune
멜로디에 강한 음악
어쿠스틱 악기 중심
발랑스
춤추기 좋은 음악
에너지
BPM

크레딧

실연 아티스트
Ftsum Beraki
Ftsum Beraki
실연자
작곡 및 작사
Bereket Weldu
Bereket Weldu
작사가 겸 작곡가
프로덕션 및 엔지니어링
Bereket Weldu
Bereket Weldu
프로듀서

가사

ዝያዳየ ዝያዳይ
ዝያዳየ ዝያዳይ
እስከ ድገምዮ ዓው ኢልኪ
ሓቂ ድዩ ወጽዩ ኻብ ኣፍኪ
ፍቕሪ እንተኾይኑ ዘልክዮ'ሲ
ሰላማ ረኸበት 'ዛ ነብሲ
ዝያዳየ ዝያዳይ
ዝያዳየ ዝያዳይ
እስከ ድገምዮ ዓው ኢልኪ
ሓቂ ድዩ ወጽዩ ኻብ ኣፍኪ
ፍቕሪ እንተኾይኑ ዘልክዮ'ሲ
ሰላማ ረኸበት 'ዛ ነብሲ
ማዕበል ህይወት ገፊዑ ጫፍ ተስፋ ኣብ ዘብጻሓኒ
ድንግል ዕድል ጠዊርኪ ሃንደበት ኮንክኒ
ካብ ልቦናኺ ድዩ ካብ ትርኢት ቆመናኺ
ሕጹብ መልክዕ ተፈጥሮ ፍሉይ ስሕበት ዘለኪ
ኣቲ ማህደር ፍቕሪ ኣቲ ማህደር ፍቕሪ
ልበይ ሂበኪ'ለኹ ካብ ጫፍ ንጫፍ ዓንድሪ
ፍቕርኺ እሕምምኒ ዓበድ ኣብልኒ
ምራቕኪ ኽልከይ ፈውሰይ ተኣማኒ
ክድሕድሖ ዊንታይ ኣብ ማዕሙቕ ዊንታኺ
ኣብቲ ኻልእ ዓለም ሒዘኪ ኽዝምቢ
ኣንቲ ዓሪረኪ እንድየ ስግር ሰማይ ኢለ ዓንዲ
ዘመን ሓቲትክኒ ክጽበ ብዓቕሊ
ፈጣሪ ጥዑም'ዩ ኣውሪዱለይ ማና
መልስኺ ረኺበ በሪሃ ገዛና
ዝያዳየ ዝያዳ
ዝያዳየ ዝያዳ
እስከ ድገምዮ ዓው ኢልኪ
ሓቂ ድዩ ወጽዩ ኻብ ኣፍኪ
ፍቕሪ እንተኾይኑ ዘልክዮ'ሲ
ሰላማ ረኸበት 'ዛ ነብሲ
ምስሊ ገነት ውሽጥኺ ምህብታሙ ምጥዓሙ
ሓጎስ ሩፍታ ሂቡኒ ፍቕሪ ሓልዮት ኣግዚሙ
ሞግልሕ ድምጸይ ልሳንኪ ንእስነተይ ንስኺ
ረቢሐ ተደሚረ ሓደ እንድየ ምሳኺ
ይብል ኣለኹ ኣነ ኪኖ ማሕላ ምሒለ
ምሳኺ'የ ዝበሊ ከም ባህግኺ መሲለ
ለይ ለይ
ኣሀይ
ኣ ኣሃ
ኣይይይይ
ኣ ኣሃ
እዚ መሬት ጸልሚቱ እንከሎ
'ዝ እዋን ጸንኪሩ እንከሎ
'ቲ ኣነ መቺእኒ'ሎ
ፍቕርኺ መቂርኒ'ሎ
ባህ ኢሉኒ ደስ ኢሉኒ
ባህ ኢሉኒ ሕጂ ሕሸኒ
ወለላየ ዘለላየ
ወለላየይ ሕጂ ሕራየ
ውሰድኒ'ባ ንኺድ ንዓድና
ጻማ ኽርእዩ 'ቶም ስድራና
ወዲ ውለዲ ሽም ክሓርየሉ
ባሕሪ ኽብሎ መዘከሪ ኹሉ
ቅንጣብ ተኽሊ ዕምበባ
ዛሬባ ኹኒ ሕዮባ
ፍረ ጣዕምና ኽንርእይ
ዓለም ንሱ'ዩ መኽሰባ
ዓምብብለየ ፍረይለየ
ዓምብብለይ'ባ ጽገይለይ
ዓምብብለየ ፍረይለየ
ዓምብብለይ'ባ ጽገይለይ
አሀ
ለይሎ
አሀ
ኣሀይይ
ኣ ኣሃ
ኣየየየየ
ኣ ኣሃ
ከጸብቐልኪ ሕዛብኪ
ክጸሪ ዝስተ ሕጻብኪ
ፍቕሪ እምግባ 'ዒንትኺ
ልብኺ ምስ ክምስታኺ
ወለላየ ዘለላየ
ወለላየ ሕጂ ሕራየ
ባህ ኢሉኒ ደስ ኢሉኒ
ባህ ኢሉኒ ሕጂ ሕሸኒ
ውሰድኒ'ባ ንኺድ ንዓድና
ፍቕርና ኽርእዩ 'ቶም ስድራና
ወዲ ውለዲ ሽም ክሓርየሉ
ባሕሪ ኽብሎ መዘከሪ ኹሉ
ቅንጣብ ተኽሊ ዕምበባ
ዛሬባ ኹኒ ሕዮባ
ፍረ ጣዕምና ኽንርእይ
ዓለም ንሱ'ዩ መኽሰባ
ዓምብብለየ ፍረይለየ
ዓምብብለይ'ባ ጽገይለይ
ዓምብብለየ ፍረይለየ
ዓምብብለይ'ባ ጽገይለይ
ኣሀ
ለለ
ኣሃ
ኣሀይይይ
ኣ ኣሃ
ኣየየይይይ
ኣ ኣሃ
Written by: Bereket Weldu
instagramSharePathic_arrow_out􀆄 copy􀐅􀋲

Loading...