뮤직 비디오

뮤직 비디오

크레딧

실연 아티스트
Yemane Barya
Yemane Barya
실연자
작곡 및 작사
Yemane Barya
Yemane Barya
작곡가

가사

ዘመን ተቐይርካኒ ስደተኛ ኾይነ
ብስክፍታ ዝነብር ክሳደይ ኣድኒነ
ሓሳብ ልቡ ዘይፍጽም ሰነፍ መስተማሰሊ
እናተጎደአ ዝነብር ኣሰኪምካኒ ቁስሊ
ከሓተካ'የ ኣነ መልሰለይ ዘመን
ስለምንታይ ከሊእካኒ ስኒት ፍቅሪ ሓበን
ሰብኣዊ መሰለይ ክብረይ ቀንጢጥካዮ
ንሓሳርን መከራን ንዕዳጋ ኣውሪድካዮ
መሬት ከምዘይናቱ ኣትሪሩ ዘይረግጽ
ርእይቶ ዘይብሉ ኣይምረጽ ኣይመርጽ
ኣይምረጽ ኣይመርጽ
ምድረበዳ ኾይኑ ሸኻ ለምለም ሳዕሪ
ኣቑጽልትና ነቒጹ ጥሉል ቀጠልያ ሕብሪ
ባህርያትካ ተቐይሩ መሬት ኣድሪቕካዮ
ሰናይ ዝነበረ ኣካሒዳ ጌርካዮ
መሬት ከምዘይናቱ ኣትሪሩ ዘይረግጽ
ስደተኛ ጌርካኒ ኣይምረጽ ኣይመርጽ
ኣይምረጽ ኣይመርጽ
ዘመድ ኢኻ ዘመን መፍትሕ ተመኩሮ
ንኹነታት ትማሊ ሎሚ ትቕይሮ
ወሳኒ ተራ ኢኻ በዓል ዓቢ ግደ
ባህርያዊ ተፈጥሮ ፈለማ ዝተወልደ
መሬት ከምዘይናቱ ኣትሪሩ ዘይረግጽ
ስደተኛ ጌርካኒ ኣይምረጽ ኣይመርጽ
ኣይምረጽ ኣይመርጽ
መሬት ከምዘይናቱ ኣትሪሩ ዘይረግጽ
ስደተኛ ጌርካኒ ኣይምረጽ ኣይመርጽ
ኣይምረጽ ኣይመርጽ
መሬት ከምዘይናቱ ኣትሪሩ ዘይረግጽ
ስደተኛ ጌርካኒ ኣይምረጽ ኣይመርጽ
ኣይምረጽ ኣይመርጽ
መሬት ከምዘይናቱ ኣትሪሩ ዘይረግጽ
ስደተኛ ጌርካኒ ኣይምረጽ ኣይመርጽ
ኣይምረጽ ኣይመርጽ
Written by: Yemane Barya
instagramSharePathic_arrow_out

Loading...