Créditos
Letra
ከመይ ኣለኺ: ዕባይ ጓል ኣስመራ
ክትፍለ ዘይፍለ: እቲ ፍቕራ
ትጽቢትካ ነዊሕዋ
ወጽያ ኢሎምኒ ስደት መሪርዋ
ተናፋቒት ተሻቒለ
ከፊኢኪ ኮይኮን ኢለ
ተራኢኺ ኢሎምኒ: ሮማናት መቐለ
ተራኢኺ ኢሎምኒ: ኣዲስ ማእኸል ቦሌ
ንዓኻ ክትደሊ መንገዳ ቀጺላ
ህያ ትፈትሸክ ካርቱም ፊል ባሕርያ
ኣቲኺ ሰሚዐ እጓንዳ ካምፓላ
ንኮርቱም ሰጊራ'ያ ኣትያ ብከሰላ
ጽንሕኒ ኣብኡ በጃኺ ክመጽእ'የ ናባኺ
ጽንሕዮ እንዶ በጃኺ ክመጽእ እዩ ናባኺ
ክንምለሳ ገዛና ክንምልኦ ፍቕርና
ክትመለሱ ገዛኹም ክትምልኡ ፍቕርኹም
ሰላም ናይ ሰላም ሰላም ፍቕራ
ጓል ኤርትራ
ከመይ ኣለኺ: ዕባይ ጓል ኣስመራ
ክትፍለ ዘይፍለ: እቲ ፍቕራ
ትጽቢትካ ነዊሕዋ
ወጽያ ኢሎምኒ ስደት መሪርዋ
ጸዋግ ጊዜ: ከቢድኪ ብዘይ ኣነ: ሓሲምኪ
ተራኢኺ ኢሎምኒ: እንዳ ማርያም ጉግሳ
ሓሊፋ ኢሎምኒ: ናብ ኣዲስ ፕያሳ
ንዓኻ ክትደሊ መንገዳ ቀጺላ
ህያ ትፈትሸክ ካርቱም ፊል ባሕርያ
ኣቲኺ ሰሚዐ እጓንዳ ካምፓላ
ንካርቱም ሰጊራ እያ ኣትያ ብኸሰላ
ኣብዚ ስደት ከይንበሊ ከርህወልና ይጽሊ
ስደት ንመን ዘይፈሊ ፍቕሩኹም ግን ሰዓሪ
ከማኺ'የ ኣምሪረ ናፊቐኪ ቆሪረ
ከማኺ እዩ ኣማሪሩ ናፍቁኪስ ቆሪሩ
ሰላም ናይ ሰላም ሰላም ፍቕራ ጓል ኤርትራ