Créditos
Letra
ኣብ ዘርኢ ማእረ
ኣብ ብሱል ጥረ
ኣብ ፍቕሪ 'ውን ኣሎ ተጻይ ወረ
ኣነን ንስኽን ከምቀደማና ድኣ ,,,
ብስኒትን ብፍቕርን ንተሓላለ 'ምበር
ሕጂ'ኸ እንታይ ይበሃል'ሎ,,,
ሎሚ'ኺ እንታይ 'ብሃል'ሎ
እናልና ነብስና ኣይንጉዳእ መፍቶ,,,
'ቶም በሃሎ
------//------
ዘውዲ በይነይ ኣኽሊለይ ንሶም ይበሉ,,,
ብድሕሪት'ዩ ዝቖም ሓሳዊ
ኣብ ቅድሚ 'ኣንበሳ'ኸ ,,,
መና'ሎ ደፊሩ ጽምኡ ዘርዊ
እዝኒ ንዓይኒ ተኪኡ ንቤላቤሎው ኣሚኑ
ምስ መልሓስ ተመሓዝዮም,,,
ልቢ ግሩሃት እንተእመኑ
ኣንፈት ፍቕርና ግን ኣይቅይርዎን ማእዝኑ
ክፋእ ትንቢቶም'ሲ,,,ንጽቡቕና 'ምበር ኮይኑ
ጻማ ዓቕሊ ክልቴና,,,ሃፋ ሓመይቲ ኣብኒኒ
ንሞት 'ተፈርደ ፍቕርና,,,ህይወት ዘሪኡ ሰሲኑ
ፈታው ጸላኢ,,,'ሀኒኑ
------//------
ንወረ,,,ንወረዳእላ,,,
ንወረ,,,ድቃስ ዝሰኣኑ
ብሕንከት ይድነኑ
ንወረ,,,ንወረ ዳእላ,,,
ንወረ,,,ኣመና ዝህወኹ
ሕጂ ማይ ይዕሞኹ
ንብላሽ ሃለኹ
ፍሸሉ 'ልዎም ድኣ 'ምበር,,,
ፈልሲ ፍቕርናስ ዓዂኹ
ድ ር ብ
ወዮ መዓረይየ!
ንጽቡቕና ኾይኑ ግናየ
እፍፍ ግናየ
ወዮ ወለላይየ!
ጎልቢቡና 'ልኪ ኣይትሕመሚ,,,
ናይ ሕሜት ግመ
ወዮ ንግስተይየ!
ንቡር'ዩ ድኹም ክግመ,,,
ብልጹ ክሕመ
------//------
ከሰናኽልዎ,,,ኣኽላብ 'ናነብሑ
ኳዕነን 'ሉ ገመል,,,ዘሳልጥ ስርሑ
ወረኛ ከይከስብ,,,እናሸቀጠ ወረ
እናመረረኪ,,,ኣምዕርዮ ዕረ
ሕጂ'ኸ እንታይ ይበሃል'ሎ
ሎሚ'ኸ እንታይ ይበሃል'ሎ
ኣይትበሊ ከይትሓምኒ,,,ብ'ንታይ ይበሃል'ሎ
ኣብ መስርሕ ህንጸት ፍቕሪ,,,ዘይሕመ መን'ሎ
ጋሊቡ ክብል'ዩ ዘፍ,,,,ፈረስ ቤላቤሎ
------//------
ወዮ መዕረይየ!
ንጽቡቕና ኾይኑ ግናይየ,,,
እፍፍ ግናይየ
ወዮ ወለላየ!
ንዘይፈላለ ክፈልዩ,,,
ይእለሙ ውዲት
ወዮ ምቃለይየ!
ንቕድሚት ክንስጉም እምበር,,,
ኣይንብልን ድሕሪት
------//------
ሃብታም ብጥሪቱ,,,ምልኩዕ ብትርኢቱ
ንበራሲ ነገር,,,እኳ ዝንየቱ
ዘይ,,,በርስ ፍቕሪ,,,ሂቡና መሪቑ
ይቕበጽ ቀናእ,,,ውሒጡ ምራቑ
ሕጂ'ኸ እንታይ ይበሃል'ሎ
ሎሚ'ኸ እንታይ ይበሃል'ሎ
ኣይትበሊ ከይትሓምኒ,,,ብ'ንታይ ይበሃል'ሎ
ኣብ መስርሕ ህንጸት ፍቕሪ,,,ዘይሕመ መን'ሎ
ጋሊቡ ክብል'ዩ ዘፍ,,,,ፈረስ ቤላቤሎ
------//------