Music Video
Similar Songs
Credits
PERFORMING ARTISTS
Efrem Arefaine
Performer
COMPOSITION & LYRICS
Habtom Yemane
Songwriter
Lyrics
ጽምዲ ብዕራይ ሸይጠ ንመንገዳ
ፍቕረይ ሰዲደያ ኣሜሪካ
ክንዲ ዶላር ክንዲ ብዙሕ ሰልዳ
ቀይሕ ሕብሪ ደብዳቤ ሰዲዳ
ተጨነቕኩ ብጣዕሳ ብዕዳ
ዘለኒ ነጊፈ ንመንገዳ
ፍቕረይ ሰዲደያ ንሱዕድያ
ክንዲ ሪያል ክንዲ ብዙሕ ሰልዳ
ናይ ስንብታ ደብዳቤ ሰዲዳ
ተጨነቕኩ ብጣዕሳ ብዕዳ
ቪዛ'የ ቪዛ
ብዙሕ መዘዛ
ብሰንክኺ እንድያ
ፍቕረይ ግዒዛ
ሕሰም ድኽነት ወጅሂ ህይወተይ እናበለሎ
ናትኪ ገዲዱ ኣንቲ ፍትውተይ ኣንቲ ኹሕሎ
ኣንቲ ወለሎ
ዶላር ስደዲ መሊኡ እንተሎ
ወይ ተመለሲ ፍቕረይ ብተሎ
ኣነ ዘለኽዎ ኣብ ዓዲ ብዘይ መዳቕስቲ
በይነይ ኣብ ኣጎዛ
ኣይተላዕልለይ ሕማመይ ቃንዛ ውሽጢ ቓንዛ
መስጣ ኣለዎ ፍቕሪ ጋመየ ከይመስለኪ ዋዛ
ኣብ መቓብርካ እንድዩ ዝጸንሕ ኣብ ናይ ሞት ቃሬዛ
ግደፊ'ባ
ኣቲ ግደፊ'ባ
ከምዛ ኽትምለሲ ክተምስሊ ምሒልኪ ጥሒልኪ ንዓይ ክተእምኒ
እንታይ ደኣ ዶላር እናበልኪ ተወናውንኒ
ብዕራይ ምስ ሸጥክዎ ስለኺ ሕማቕ ፈዲኽኒ
ነዊትን ማሕረሻን ንበይኑ እንታይ ክኾነኒ
ግደፊ'ባ
ኣየ ግደፊ'ባ
ጽምዲ ብዕራይ ሸይጠ ንመንገዳ
ፍቕረይ ሰዲደያ ናብ ካናዳ
ክንዲ ዶላር ክንዲ ብዙሕ ሰልዳ
ናይ ስንብታ ደብዳቤ ሰዲዳ
ተጨነቕኩ ብጣዕሳ ብዕዳ
ቪዛ'የ ቪዛ
ብዙሕ መዘዛ
ብሰንክኺ እንድያ
ፍቕረይ ግዒዛ
ሕሰም ድኽነት ወጅሂ ህይወተይ እናበለሎ
ናትኪ ገዲዱ ኣንቲ ፍትውተይ ኣንቲ ኹሕሎ
ኣንቲ ወለሎ
ዶላር ስደዲ መሊኡ እንተሎ
ወይ ተመለሲ ፍቕረይ ብተሎ
ኣነ ዘለኽዎ ኣብ ዓዲ ብዘይ መዳቕስቲ
በይነይ ኣብ ኣጎዛ
ኣይተላዕልለይ ሕማመይ ቃንዛ ውሽጢ ቓንዛ
መስጣ ኣለዎ ፍቕሪ ጋመየ ከይመስለኪ ዋዛ
ኣብ መቓብርካ እንድዩ ዝጸንሕ ኣብ ናይ ሞት ቃሬዛ
ግደፊ'ባ
ኣቲ ግደፊ'ባ
ከምዛ ኽትምለሲ ክተምስሊ ምሒልኪ ጥሒልኪስ ንዓይ ክተእምኒ
እንታይ ደኣ ዶላር እናበልኪ ተወናውንኒ
ብዕራይ ምስ ሸጥክዎ ስለኺ ሕማቕ ፈዲኽኒ
ነዊትን ማሕረሻን ንበይኑ እንታይ ክኾነኒ
ግደፊ'ባ
ኣየ ግደፊ'ባ
ዝኾነስ ኮይኑ ኣይላቡን'ዩ ዘበኑ
ፍቕርን እምነትን ከይሓደረ እንድዩ ዝዓኑ
ዶላር ስደዲ ናይ ሰልዲ ደሃይ ግበሪ
ንመደዓዓሲ ንዝኽሪ
ኣሃይ ግደፊ'ባ
ኣይይ ግደፊ'ባ
ኣሃይ ግደፊ'ባ
ኣይይ ግደፊ'ባ
ዝኾነስ ኮይኑ ኣይላቡን'ዩ ዘበኑ
ፍቕርን እምነትን ከይሓደረ እንድዩ ዝዓኑ
ዶላር ስደዲ ናይ ሰልዲ ደሃይ ግበሪ
ንመደዓዓሲ ንዝኽሪ
ኣሃይ ግደፊ'ባ
ኣይይ ግደፊ'ባ
ኣሃይ ግደፊ'ባ
ኣይይ ግደፊ'ባ
ዝኾነስ ኮይኑ ኣይላቡን'ዩ ዘበኑ
ፍቕርን እምነትን ከይሓደረ እንድዩ ዝዓኑ
ዶላር ስደዲ ናይ ሰልዲ ደሃይ ግበሪ
ንመደዓዓሲ ንዝኽሪ
ኣሃይ ግደፊ'ባ
ኣይይ ግደፊ'ባ
ኣሃይ ግደፊ'ባ
ኣይይ ግደፊ'ባ
ኣሃይ ግደፊ'ባ
ኣይይ ግደፊ'ባ
ዝኾነስ ኮይኑ ኣይላቡን'ዩ ዘበኑ
ፍቕርን እምነትን ከይሓደረ እንድዩ ዝዓኑ
ዶላር ስደዲ ናይ ሰልዲ ደሃይ ግበሪ
ንመደዓዓሲ ንዝኽሪ
ኣሃይ ግደፊ'ባ
ኣይይ ግደፊ'ባ
ኣሃይ ግደፊ'ባ
ኣይይ ግደፊ'ባ
ዝኾነስ ኮይኑ ኣይላቡን'ዩ ዘበኑ
ፍቕርን እምነትን ከይሓደረ እንድዩ ዝዓኑ
ዶላር ስደዲ ናይ ሰልዲ ደሃይ ግበሪ
ንመደዓዓሲ ንዝኽሪ
ኣሃይ ግደፊ'ባ
ኣይይ ግደፊ'ባ
ኣሃይ ግደፊ'ባ
ኣይይ ግደፊ'ባ
ዝኾነስ ኮይኑ ኣይላቡን'ዩ ዘበኑ
ፍቕርን እምነትን ከይሓደረ እንድዩ ዝዓኑ
ዶላር ስደዲ ናይ ሰልዲ ደሃይ ግበሪ
ንመደዓዓሲ ንዝኽሪ
ኣሃይ ግደፊ'ባ
ኣይይ ግደፊ'ባ
ኣሃይ ግደፊ'ባ
ኣይይ ግደፊ'ባ
ኣሃይ ግደፊ'ባ
ኣይይ ግደፊ'ባ
ኣሃይ ግደፊ'ባ
ኣይይ ግደፊ'ባ
Writer(s): Writers Unknown, Ursula Yancy
Lyrics powered by www.musixmatch.com