album cover
Tetabeb
album cover
Tetabeb was released on October 3, 2025 by BRIDGE SOUNDS GLOBAL as a part of the album Tetabeb - Single
October 3, 2025
LabelBRIDGE SOUNDS GLOBAL
BPM78
Melodicness
Acousticness
Valence
Danceability
Energy

Music Video

Music Video

Lyrics

ተጣበብ  
ትበርቕ ድያ ጸሓይ ትበርቕ ብ ምዕራብ
ትዓርብ ድያ ጸሓይ ትዓርብ ብምብራቕ
እናበልኩ ኣነ ምስ ባዕለይ ክላዘብ
ሕቶይ መልሲ ጸኒሑ ተገሪመ ብጥበብ
ለካስ- ጥበብ ላዕሊ ጥበበኛ ታሕቲ
          ምርኻብ ሰኢኑ ሕቖ ምስ ኸብዲ
ለካስ - ትዕደሎ እምበር ኣንጊህኻ ትዋሃቦ
          ብምጎት ሓይሊ ጥበብ ነይትረኽቦ
መሬት ጠሚተ ሰማይ ተበልኩ ቓሕ ሰም
ሙኻን ኣብዩኒ ኩሉ ኣነስ ከም ቀደም
ልዕሊ ኹሉ ሓያል ሓያል ንኹሉ ዝዓምም
ፍቕሪ ናፊቐ ፍቅሪ ጥዑም
በል በል በል ሰበይ- ቀለም ብርዕኻ ሃየ ቀምሞ
                         ብራና ኣንጺፍካ ጥበብ ተጣበቦ
በል በል ሰበይ - ምምሳል ገዲፍካ ሙኻን ኸኣሎ
                        መዝሙር ጥበብ ፍቕሪ ተዓለሞ
                        ደርብ (ስብራ)
ጥበብ ኸሎ ንኹሉ ዝዓምም
ፍቕሪ ኸሎ ንኹሉ ዝስዕር
ሳኣን ጥበብኛ ጥበብ ከይተስኣነ
ኣይትፍለይኒ ጎይታይ ኣን ምስ ኣነ
ተጣበብ በል ሰበይ ተጣበብ
ኣንቃዕሪርካ ላዕላይ ፍቕሪ ሰሓብ
ተጣበብ በል ሰበይ ተጣበብ
ዓለም ጎዶሎ ብፍቕሪ ክትከብብ
ተጣበብ በል ሰበይ ተጣበብ
ፈልሲ ፍቕርና መሊሱ ክዕምብብ
እምበር ኣነስ ፍቕሪ ናፊቐ ፍቕሪ ጥዑም
ትማል ዘዘኪረ ዝሓለፈ ሂወት ሙቁር
ይምለስ ዶ ይኾን  ይኾን እናበልኩ ሰናይ ዘበን
እነኹ የስተንትን ብናፍቖት ሓሳብ ይማስን
ፍቕሪ ናፊቐ ፍቕሪ  ፍቕሪ ናፊቐ ፍቕሪ
ዋይ ፍቕሪ ጥዑም
Written by: Werkneh Adisu, Yosseph Yihdego
instagramSharePathic_arrow_out􀆄 copy􀐅􀋲

Loading...