音乐视频

音乐视频

制作

出演艺人
Abraham Afewerki
Abraham Afewerki
表演者
作曲和作词
Abraham Afewerki
Abraham Afewerki
词曲作者

歌词

ዝሩው እብል ውሽጠይ ክሓስበኪ
ሓዲረስ ውዒለ
ፍርሕ ፍርሕ እብል አንድዕለይ
እጭነቕ ሱቕ ኢለ
ኣይ ድቃስ ኣይ መግቢ ምጋገኽኒ
ጸማልያ መሲለ
ኣብ ምዉቕ ጸወታ ዝን አንዳበልኩ
ካብ ሰበይ ይፍለ
ረሓ ናተይ በብዘለናዮ
በብዘለናዮ
ሓቦ ጌርና ንውጻዮ
ፍቅረይ ናተይ
ኣብ ልብኺ ሕዝእዮ
ኣብ ልብኺ ሕዝእዮ
ዝተባሃልናዮ
ኣጆኺ
ብዘየገድስ፡ ንጽመሞ ግዜ እንተነውሐ
ብዘየገድስ፡ ሻቕሎትን ናፍቖትን አንተበዝሐ
ክንደይ ክምቅር'ዩ ጻማ ሓቦ እዋን ምስ በጽሐ
እራኣየኒ፡ ኣየወ ጽባሕ ምስ ሓለፈ ኩሉ
እራኣየኒ፡ ክንዝክሮ ከነዋግዓሉ
ሓቦ ግበሪ ጽባሕ ማለት ቀረባ አንደኣሉ
ምደለኹ ክህሉ ኣብቲ ዘለኺዮ ቦታ
ከሐንቅቐኪ ሓቚፈ ክኣባብደኪ መታን
ምደለኹ እወ ኣየወ ሕጂ ክንደይ ምደለኹ
ከሐንቅቐኪ ክኣባብደኪ ምደለኹ
ረሓ ናተይ በብዘለናዮ
በብዘለናዮ
ሓቦ ጌርና ንውጻዮ
ፍቅረይ ናተይ
ኣብ ልብኺ ሕዝእዮ
ኣብ ልብኺ ሕዝእዮ
ዝተባሃልናዮ
ኣጆኺ
ደብዳቤኺ እኳ ደሃይኪ ሰኒቑ እንተመጽአ
ዘይሕተት ኮይኑኒ፡ ተነቢቡ ስርሑ እንዳወድአ
ከጣይቐልኪ፡ ዳም ዳም እብል ጋሻ እንተሰሚዐ
ደሓን'የ እንዳበልኪ ከተህድእኒ'ኳ እንተፈተንኪ
ወላ ኣይቀሰንኩን ከይትንከላበቲ ከይሓስመኪ
እትረፍ ብማዕዶ ቀሪበ'ኳ ዝሻቐል ብኣኺ
ምደለኹ ክትመጺ ኣብዚ ደለኹዎ ቦታ
ከሐንቅቐኪ ሓቚፈ ክኣባብደኪ መታን
ምደለኹ እወ ኣየወ ሕጂ ክንደይ ምደለኹ
ከሐንቅቐኪ ክኣባብደኪ ምደለኹ
Written by: Abraham Afewerki
instagramSharePathic_arrow_out

Loading...