積分

演出藝人
Yemane Barya
Yemane Barya
演出者
詞曲
Yemane Barya
Yemane Barya
作曲

歌詞

ተቐንጢጡ'ዩ ጸልማት እቲ ዓቢ ድነ
እንሆ ባና ብማዕዶ ብርሃን ኮነ
ተቐንጢጡ'ዩ ጸልማት እቲ ዓቢ ድነ
እንሆ ባና ብማዕዶ ብርሃን ኮነ
ተኸፊቱ እወ መንገዲ ህይወት
ናጽነት ሙኻኑ'ዩ ናይ ሰላም መሰረት
ተቐንጢጡ'ዩ ጸልማት ስዒረዮ
ፋና ዓወት ሽገይ ወሊዐዮ
ተቐንጢጡ'ዩ ጸልማት ስዒረዮ
ፋና ዓወት ሽገይ ወሊዐዮ
ተጸሪጉ እወ መንገዲ ህይወት
ናይ ሓባር ጉዕዞ'ዩ ናይ ሰላም መሰረት
ናጽነት ክብረት'ዩ ንዘልኣለም
ዘይሃስስ ዘይድምሰስ ቀይሕ ደም
ዘይውዳእ ዘይነጽፍ ቀላይ
ሩባ ህይወት'ዩ ፈልፋሊ ጽሩይ ማይ
ሩባ ህይወት'ዩ ፈልፋሊ ጽሩይ ማይ
ናጽነት ክብረት'ዩ ንዘልኣለም
ዘይሃስስ ዘይድምሰስ ቀይሕ ደም
ዘይውዳእ ዘይነጽፍ ቀላይ
ሩባ ህይወት'ዩ ፈልፋሊ ጽሩይ ማይ
ሩባ ህይወት'ዩ ፈልፋሊ ጽሩይ ማይ
ብህይወት ንምንባር ብሰላም
ናጽነት'ዩ መብራህቲ ጸላም
ንራህዋ ቅሳነት እፎይታ
ናጽነት የብላን መሰታ
ብህይወት ንምንባር ብሰላም
ናጽነት'ዩ መብራህቲ ጸላም
ንራህዋ ቅሳነት እፎይታ
ናጽነት የብላን መሰታ
ስልማት መሬት ዕምበባ
ዓለመይ ንሳ'ያ መኽሰባ
ኣብ ጎላጉል ሜዳ'ዩ ሩባ
ኣውሊዐይ እነሀት ዓምቢባ
ኣብ ጎላጉል ሜዳ'ዩ ሩባ
ኣውሊዐይ እነሀት ዓምቢባ
ስልማት መሬት ዕምበባ
ዓለመይ ንሳ'ያ መኽሰባ
ኣብ ጎላጉል ሜዳ'ዩ ሩባ
ኣውሊዐይ እነሀት ዓምቢባ
ኣብ ጎላጉል ሜዳ ኣብ እምባ
ኣውሊዐይ እነሀት ዓምቢባ
ስልማት መሬት ዕምበባ
ዓለመይ ንሳ'ያ መኽሰባ
ኣብ ጎላጉል ኣብ እምባ
ኣውሊዐይ እነሀት ዓምቢባ
ኣብ ጎላጉል ሜዳ'ዩ ሩባ
ኣውሊዐይ እነሀት ዓምቢባ
ስልማት መሬት ዕምበባ ዕምበባ ዕምበባ
ሃገረይ ንሳ'ያ መኽሰባ መኽሰባ መኽሰባ
ኣብ ጎላጉል ሜዳ'ዩ ሩባ
ኣውሊዐይ እነሀት ዓምቢባ
ስልማት መሬት ዕምበባ ዕምበባ ዕምበባ
ሃገረይ ንሳ'ያ መኽሰባ መኽሰባ መኽሰባ
ኣብ ጎላጉል ሜዳ'ዩ ሩባ
ኣውሊዐይ እነሀት ዓምቢባ
ኣብ ጎላጉል ኣብ እምባ
ኣውሊዐይ እነሀት ዓምቢባ
ኣብ ጎላጉል ሜዳ'ዩ ሩባ
ኣውሊዐይ እነሀት ዓምቢባ
Written by: Yemane Barya
instagramSharePathic_arrow_out

Loading...