Texty
ማሙቐይ ዓይነይ ዓይነየ
ሪሓነይ ራሓ ናይ ልበየ
ውህብቶይ ህያብ ናይ በይነየ
ኣሚነይ እምንቲ ክብረየ
ኣብ ሸውዓተ እጉድ: ዝብል ብህሎ
ኣብ ቃሕታኻ ሰሓን ዘይቅበሎ
ማሙቐየ ፀሓይ ናይ ወጋሕታ
ምስኺ ዶ ከይህሉ ሳሓይታ
ዘይቅህም ፍቕርኺ: እጉድ እንከለኒ
እንዳማተይ ማሙቕ: እንታይ ኣስሐነኒ
ኩሉ ትኾንለይ: ምሳይ ከለኽኒ
ስቡሕ ዓዲ ሃገር: እንታይ ኣጠመትኒ
ንቐልበይ ንኽዘምታ
መታለሊ ፈሽኽታ
ኣብ ልዕለይ ዝፍንዋ
ሽሕ እኳ 'ተሃለዋ
ዕሙት'የ ሽፉን'የ: የዒንተይ ብውዝባ
እሙን'የ ጽኑዕ'የ: ንቓልኪ ቀረባ
ድባበየ ከማኺ ዶ ኣላ
ጫፋ ጽባቐ ፈቃር ክኢላ
ማሙቖየ ከማኺ ዶ ኣላ
ቅብኣን ብርዕን: ዘይገልጾ ምስላ
ማሙቐይ ልባስ ክብሪ
ኣብየት ክትፈቀሪ
ማሙቐይ ሕያወይቲ
ኣደ ናይ ትዕግስቲ
መምህር ናይ ሕልና
ንግስቲ ልቦና
ኣሚነተይ ፍቃር እንዲኺ
እሙን ንስኻ
ጩራ በይነይ ማሙቕ እዲኺ
ማሙቕ ኢንዲኻ
ኣማኒተይ ምቅርቲ እንዲኺ
ሙቁር ንስኻ
ፍቕሪ እንድዩ ዕማመይ
ምሳኺ ኣሎ እቲ ሕልመይ
ንዓኺ ምዕዳለይ
ፍሉይ ኮይነ ምቃለይ