Lyrics

መን'ሞ መን እብሉኺ መን'ሞ መን መን ይሰምዩኺ ሃንደበት ልቢ ጎበዝ ተዝፍፊ ኣቤት ተፈጥሮ ዝገርም መን'ሞ መን እብሉኺ መን'ሞ መን መን ይሰምዩኺ ሃንደበት ልቢ ጎበዝ ተጽድፊ ኣቤት ተፈጥሮ ዝገርም ሓይልክኒ በቲ ትሓልፍሉ ትማላለስሉ ወዝቢ ዝመስለኪ እንራኸበሉ ሓያል ስሕበትኪ'ዩ ናብኡ ደብለኒ ፍርሒ ዝዓቖሮ ብርቱዕ ፍቕሪ'ለኒ ኣንቲ ናትክስ ኣሄሄ ንበይኑ'ባ በይኑ ኣውጺአ ከይገልጾ ብልሳን ፈሪሐ ሎሚ ጽባሕ እንዳበልኩ ፈቲነ ክኽእሎ ብውሽጠይ ክልሎ ግን ዝከኣል ኣይኮነን ፍቕሪ ከም መድሃኒት መዓልቲ እንተሕሊፉ ከሕምም ይጅምር ምፍዋስ ገዲፉ መን'ሞ መን እብሉኺ መን'ሞ መን መን ይሰምዩኺ ሃንደበት ልቢ ጎበዝ ተዝልሊ ኣቤት ተፈጥሮ ዝገርም መን'ሞ መን እብሉኺ መን'ሞ መን መን ይሰምዩኺ ሃንደበት ልቢ ጎበዝ ተጽልሊ ኣቤት ተፈጥሮ ዝገርም ሓይልክኒ ቋሕ ኢለ ሰም ክብል ዓመት እመስለኒ ሽምኪ ምስ ጸሎተይ ተሓዋዊሱኒ ኣብቲ ትፈርድሉ ዝፋን መጋባእያ መዋእል ከሳሲ ከይበልኩ ማሃያ ኣንቲ ናትክስ ኣሄሄ ንበይኑ'ባ በይኑ ፈቲነ ክኽእሎ ብውሽጠይ ክልሎ ግን ዝከኣል ኣይኮነን ኣውጺአ ከይገልጾ ብልሳን ፈሪሐ ሎሚ ጽባሕ እንዳበልኩ ፍቕሪ ከም መድሓኒት መዓልቲ እንተሕሊፉ ከሕምም ይጅምር ምፍዋስ ገዲፉ ገለ'ባ በሊ ሓፍተይ ገለ በልኒ ገለ'ባ በሊ ንፍቕሪ መድሓኒት ኩኒ ሳላ ጥበብ ተፈጥሮኺ ወሲድኪ ልበይ ኣሚነኪ ተፈታዊት ሂበልኪ ኢደይ ኢደይ ሂበ'የ ኢደይ ሂበ እንድየ ኢደይ ልበይ ሂበ እንድየ ኢደይ ሂበ'የ ኢደይ ኢደይ ሂበ'የ ኢደይ ሂበ እንድየ ኢደይ ልበይ ሂበ'የ ኢደይ ሂበ እንድየ ኢደይ ነጠብጣብ ማይ ፍቕሪ ኣብ ውሽጠይ ተዋህሊሉ ደርማስ ውሕጅ እምበር ኣኺሉ ኣሻብ ከይትብልኒ ጸኒሕኪ ኢኺ ኣብ ውሽጠይ ተሳዒረ ሂበልኪ ኢደይ ኢደይ ሂበ'የ ኢደይ ሂበ'የ ኢደይ ኢደይ ሂበ'የ ኢደይ ሂበ እንድየ ኢደይ ኢደይ ሂበ'የ ኢደይ ሂበ እንድየ ልበይ ኢደይ ሂበ'የ ኢደይ ሂበ'የ ኢደይ ገለ'ባ በሊ ሓፍተይ ገለ በልኒ ገለ'ባ በሊ ንፍቕሪ መድሓኒት ኩኒ ሳላ ጥበብ ተፈጥሮኺ ወሲድኪ ልበይ ኣሚነኪ ተፈታዊት ሂበልኪ ኢደይ ኢደይ ሂበ'የ ኢደይ ሂበ'የ ኢደይ ነጠብጣብ ማይ ፍቕሪ ኣብ ውሽጠይ ተዋህሊሉ ደርማስ ውሕጅ እምበር ኣኺሉ ኣሻብ ከይትብልኒ ጸኒሕኪ ኢኺ ኣብ ውሽጠይ ተሳዒረ ሂበልኪ ኢደይ ኢደይ ሂበ'የ ኢደይ ሂበ እንድየ ኢደይ ኢደይ ሂበ'የ ኢደይ ሂበ እንድየ ኢደይ
Writer(s): Elias Woldemariam, Yemane Haile, Adam Siyoum Lyrics powered by www.musixmatch.com
instagramSharePathic_arrow_out