album cover
Hadera
album cover
Hadera was released on January 28, 2021 by Abraham Afewerki as a part of the album Hadera
AlbumHadera
ReleasedJanuary 28, 2021
LabelAbraham Afewerki
LanguageEnglish
BPM151
Melodicness
Acousticness
Valence
Danceability
Energy

Lyrics

መልክዓ ማሪኹኒ ጠባያ መሲጡኒ ኣፍቂረያ
ሕሜት ሰብ ሰሚዓ ምስ ስቕትኣ ኽትጭነቕ ርእየያ
ባህሪኡ ብዙሕ'ዩ ናይ ወድ- ሰብ ነገር ገሪሙኒ
ኣነ እንዳፍቀርክዋስ ኣጉል ትሒም ካብኣ ክፈልየኒ
ናይ ተፈጥሮ ጸጋ'ዩ ብፈጣሪ ዝመጸ
እምበር መን እሞ'ሎ ዘርኡ ዝመረጸ
ትሕቲ ሽፋን እቲ ረቂቕ ባህላዊ ነጸላ
እትርከብ ብጠባይ መሰታ ዘይብላ
ዘምሕረላ'ዩ ዘመናዊ ምስላ ኣዘውቲራ
መልክዐኛይ እንድያ መን ክወዳደራ
ሓደ ኣካል ሓደ መንፈስ ጽቡቕ ከለና
መን ይረብሕ ኣሃሃይ ተተፈላለና
ገርሂ ልብኺ ሕሰብ ናይ ሰብ ከይቅይራ
ከም ቀደምኪ ኩንለይ ሓደራ ሓደራይ
እስኪ ብዝፈትዎም እስኪ ብዘፍቅሮም ክግምቶ
ፈላላይ ልምዲ ብናይ ፍቕሪ ዋልታ ክምክቶ
በውራጃ: ብዘርኢ: ወይ ባህላዊ ፍልልይ ናይ እምነት
ኣይክዓግተንን'ዩ እንካብ ንጹህ ፍቕሪ ካብ ሕውነት
ናይ ተፈጥሮ ጸጋ'ዩ ብፈጣሪ ዝመጸ
እምበር መን እሞ'ሎ ዘርኡ ዝመረጸ
በቲ ሓደ ናይ ወገነይ ባህሊ ከኽብር
በቲ ሓደ ዘይክኣል ፍቕራ ኽጸውር
ሩሕ ናይ ልበይ ኣብ ፍቕራ ኣጥሒላቶ ንሳ
ብዘይ ብኣኣ ካብ ባሕሪ ከም ዝወጸ ዓሳ
ሓደ ኣካል ሓደ መንፈስ ጽቡቕ ከለና
መን ይረብሕ ኣሃሃይ ተተፈላለና
ገርሂ ልብኺ ሕሰብ ናይ ሰብ ከይቅይራ
ከም ቀደምኪ ኩንለይ ሓደራ ሓደራ
ከም ቀደምና ክንከውን ሓደራ ሓደራ
ክንፋቐር ሓደራ ሓደራይ
ምሳይ ኩኒ ሓደራ ሓደራ
ተስፋ ኹንኒ ሓደራ ሓደራይ
ከም ቀደምና ንፋቐር ሓደራ ሓደራ
ተስፋ ኹንኒ ሓደራ ሓደራይ
ከም ቀደምና ንፋቐር ሓደራ ሓደራ
ምሳይ ኩኒ ሓደራ ሓደራ
ተስፋ ኹንኒ ሓደራ ሓደራይ
ቅረቢ'ሞ ፍቕረይ ከምዛ ኸማይ ኩኒ
ኣብ ልብኺ ዘሎ ልቢ ንገርኒ
ክጽምው እንከሎ ከተጻውትኒ
ክርህው እንከሎ ኣብ ጎነይ ክትኮኒ
ክሓስም እንከሎ ተስፋ ኽትኮንኒ
Written by: Abraham Afewerki
instagramSharePathic_arrow_out􀆄 copy􀐅􀋲

Loading...