album cover
Semai
10,361
Singer/Songwriter
Semai was released on December 14, 2020 by Abraham Afewerki as a part of the album Semai
album cover
AlbumSemai
Release DateDecember 14, 2020
LabelAbraham Afewerki
Melodicness
Acousticness
Valence
Danceability
Energy
BPM155

Music Video

Music Video

Credits

PERFORMING ARTISTS
Abraham Afewerki
Abraham Afewerki
Performer
Raesi Tube
Raesi Tube
Remixer
COMPOSITION & LYRICS
Abraham Afewerki
Abraham Afewerki
Songwriter

Lyrics

ኩሉ ሓላፋይ'ዩ ኢለ ገሚተ
ስግር ጋሻ ውሕጅ ጠሚተ
እጽዕር ኣለኹ ብተስፋ
ነዛ ሕማቕ እዋን ክሓልፋ
እጽዕር ኣለኹ ብዓቕመይ
ቃልሲ'ስ መናብርተይ ናይ ቀደመይ
ንግዚኡ'ኳ እንተሓየለኒ
እስዕሮ እምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ
ተስፋ'ዩ ደገፈይ ተስፋ እዩ ሓይለይ
ደጋጊመ እጽዕር ክሳብ ዝሰምረለይ
ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ ኩሉ ጸይረ'የ ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ ኣይሕለልን ክሳብ ዝሰምረለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ እስዕሮ እምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ
ናብራ ከቢዱኒ እንዳማረርኩ
ጥዕና ዘይብሉ ምስ ረኣኹ
ኣጸናኒዐያ ንነብሰይ
ኣረጋጊአዮ መንፈሰይ
ለካ ወሃቢ እምበር ኣይኮንኩን ሓታቲ
ተጸባዪ ኣይኮንኩን ተመጽዋቲ
ጥዕና ኣይትኽልኣኒ ምስ ተስፋ
እምረር እምበር ህይወት ከሰንፋ
ሙኻነይ እነኹ ኣሚነ
ዝሓዝክዎ ሒዘስ ኣመስጊነ
ፍሽኽታ ኣመለይ ኩሉ ጸይረ'የ ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ ኣይሕለልን ክሳብ ዝሰምረለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ እስዕሮ እምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ
ዘመስግን'ዩ ዕጉስ ዝዕገስ'ዩ ሓያል ዘዋህልል'ዩ ለባም
ይኣኽለኒ ምባል ዝፈልጥ'ዩ ሃብታም
ክበሃል ሰሚዐ
እንተስ ኣሚነሉ እንተስ ክጸናናዕ
ግን ተሰማሚዐ
ድሓን ክሓልፍ'ዩ እንዳበሉኒ እኳ ብዓይነይ ርእየ
ኣቤት እወ ክንደይ ድዩ ሓሊፉ
ተስፋ'ዩ ደገፈይ ተስፋ እዩ ሓይለይ
ደጋጊመ እጽዕር ክሳብ ዝሰምረለይ
ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ ኩሉ ጸይረ'የ ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ ይጥዓም እሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ ኣይሕለልን ክሳብ ዝኾነለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ እስዕሮ እምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ
ኩሉ ሓላፋይ'ዩ ኢለ ገሚተ
ኪኖ ጋሻ ውሕጅ ጠሚተ
እጽዕር ኣለኹ ብተስፋ
ነዛ ሕማቕ እዋን ክሓልፋ
እጽዕር ኣለኹ ብዓቕመይ
ቃልሲ'ስ መናብርተይ ናይ ቀደመይ
ንግዚኡ'ኳ እንተሓየለኒ
እስዕሮ እምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ
እወ ሙኻን ሕስብ ተበልክዎ
ስፍሓት ህይወት ከም ዝተረዳእክዎ
ነቲ ጽቡቕ ዝበለጸ 'ለዎ
ነቲ ሕማቕ ዝበኣሰ 'ለዎ
ነቲ ጣዕሚ ዝጠዓመ 'ለዎ
ነቲ ሕሰም ዝመረረ 'ለዎ
ጫፍ ጽቡቕን ሕማቕን ዓቂነ
ከለልዮ ወላ እንተፈቲነ
ኣበይ ከይክእሎ ኣነ ሰብ 'ዚ ኣነ
ፍሽኽታ ኣመለይ ኩሉ ጸይረ'የ ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ ይጥዓም ይሕሰም ፈገግታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ ኣይሕለልን ክሳብ ዝምሰለለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ እስዕሮ እምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ
ዓለም ከም ባሕሪ'ያ ከም ዝበሃል
ክሕምብስ ዘይክእል ንኸይጥሕል
ሓቢርና'ዶ ጸገምና ነቃልል
ክንበላሓት ዝያዳ ክንጋደል
ስለ'ቲ ሽግር ትወልዳ ንጥበብ
ብኣካል ብመንፈስ ንራኸብ
ህይወት ከነማሓይሽ ክንላዘብ
ተስፋ'ዩ ደገፈይ ተስፋ እዩ ሓይለይ
ደጋጊመ እጽዕር ክሳብ ዝምሰለለይ
ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ ኩሉ ጸይረ'የ ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ ይጥዓም ይሕሰም ፍሽኽታ ኣመለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ ኣይሕለልን ክሳብ ዝሰምረለይ
ፍሽኽታ ኣመለይ እስዕሮ እምበር ኣይስዕረንን ጸገመይ
ክሳብ ዝኾነለይ ክሳብ ዝሰምረለይ
ውቅያኖስ'ዩ ዓቕለይ ትስፉው'ዩ ጠመተይ
ኣይዕገትን'የ ሰማይ'ዩ ደረተይ
ክሳብ ዝኾነለይ ክሳብ ዝሰምረለይ
ኣይጽንቀቕን'ዩ ሓይለይ ትስፉው'ዩ ጠመተይ
ኣይሕለልልን ሰማይ'ዩ ደረተይ
ሰማይ...
ሰማይ ሰማይ ሰማይ ሰማይ'ዩ ደረተይ
ክሳብ ዝኾነለይ ክሳብ ዝሰምረለይ
ውቅያኖስ'ዩ ዓቕለይ ትስፉው'ዩ ጠመተይ
ኣይዕገትን'የ ሰማይ'ዩ ደረተይ
ክሳብ ዝኾነለይ ክሳብ ዝሰምረለይ
ኣይጽንቀቕን'ዩ ሓይለይ ትስፉው'ዩ ጠመተይ
ኣይሕለልልን ሰማይ'ዩ ደረተይ
ሰማይ...
ሰማይ ሰማይ ሰማይ ሰማይ'ዩ ደረተይ
ክሳብ ዝኾነለይ ክሳብ ዝሰምረለይ
ውቅያኖስ'ዩ ዓቕለይ ትስፉው'ዩ ጠመተይ
ኣይሕለልን'የ ሰማይ'ዩ ደረተይ
ሰማይ...
ሰማይ ሰማይ ሰማይ ሰማይ'ዩ ደረተይ
Written by: Abraham Afewerki
instagramSharePathic_arrow_out􀆄 copy􀐅􀋲

Loading...