album cover

Kokeb Semay

15,219World2010
album cover
Kokeb Semay was released on August 15, 2010 by Abraham Gebremedhin as a part of the album Mesanytey
ReleasedAugust 15, 2010
LabelAbraham Gebremedhin
BPM
Melodicness
Acousticness
Valence
Danceability
Energy

Lyrics

ኣንቲ መርሃዊት ፍቕረይ ማዕዶ ዘለኺ
እናፍቕ ኣሎ ልበይ ምሒር ንዓኺ
ምፍልላይ ምስ ኮነ እዋይ ሃንደበት
ኣሕልፎ'ለኹ በይነይ ናብራ ደልሃመት
ኣንቲ መርሃዊት ፍቕረይ ማዕዶ ዘለኺ
እናፍቕ ኣሎ ልበይ ምሒር ንዓኺ
ምፍልላይ ምስ ኮነ እዋይ ሃንደበት
ኣሕልፎ'ለኹ በይነይ ናብራ ደልሃመት
ፀልማት ይኹን ብርሃን ይኹን ብርሃን
ኣብዝኾነ እዋን
ሕርይቲ ካብ ኩለን ካብተን ደቂ ሄዋን
ፀባይኪ ንኽገልፆ ይሓፅሩኒ ቃላት
ንሽምኪ ዘወድሱ ስኢነ ፊደላት
መቐረት ናይ ፍቕሪ ገና ከይፀገብና
ሓቂ ድዩ ኣየ ብኡነት ጊዜ ፈላልዩና
ውብ ናይ ሃሳብ ማዕበል በይነይ ተንሳፊፈ
ይጓዓዝ ኣለኹ ዕድለይ ነቒፈ
ተፈጥሮ ኮይኑኒ ከምሰብ 'ተሰሓቕኩ
ጥዒሙኒ ኣይኮነን ዝነብር ዘለኹ
ካብ ልበይ ፈልፊሉ ብመሽረብ ኣዒንተይ
ከም ማይ ይፈስስ'ሎ ዝሕንዝሕ ንብዓተይ
ከም ማይ ይፈስስ'ሎ ዝሕንዝሕ ንብዓተይ
ኣንቲ መርሃዊት ፍቕረይ ማዕዶ ዘለኺ
እናፍቕ ኣሎ ልበይ ምሒር ንዓኺ
ምፍልላይ ምስ ኮነ እዋይ ሃንደበት
ኣሕልፎ'ለኹ በይነይ ናብራ ደልሃመት
ኣንቲ መርሃዊት ፍቕረይ ማዕዶ ዘለኺ
እናፍቕ ኣሎ ልበይ ምሒር ንዓኺ
ምፍልላይ ምስ ኮነ እዋይ ሃንደበት
ኣሕልፎ'ለኹ በይነይ ናብራ ደልሃመት
ፀልማት ይኹን ብርሃን ይኹን ብርሃን
ኣብዝኾነ እዋን
ሕርይቲ ካብ ኩለን ካብተን ደቂ ሄዋን
ፀባይኪ ንኽገልፆ ይሓፅሩኒ ቃላት
ንሽምኪ ዘወድሱ ስኢነ ፊደላት
ኣብቲ ፅምው ስፍራ ፀላምሸት ፍቕሪ
ንፋስ ቀዝሒ ሰማይ ሽው ክብል ብናህሪ
ዘሕለፍናዮ እዋን ፍቕሪ 'ናማሞቕና
ይረኣየኒ'ሎ ወኻዕኻዕ ዕላልና
ካብ ትፈትዋ ሄዋን ኣዝዩ ካብተፍቅራ
ዝልመድ ኣይኮነን ተነፂልካ ናብራ
ዝፀሮ ኣይመስለንን ከምዙይለስ ብሓቂ
ኣይተበርሃንን ስቓይ ዓለም ጭንቂ
ኣይተበርሃንን ስቓይ ዓለም ጭንቂ
ኮኾብ ሰማይ ኮኾብ ሰማይ
ተመለሲ ልበይ ኣብድዮ
ኣይክእሎንየ ኣይክእሎንየ
ምልማድየ ስኢነዮ
ኮኾብ ሰማይ ኮኾብ ሰማይ
ተመለሲ ልበይ ኣብድዮ
ኣይክእሎንየ ኣይክእሎንየ
ምልማድየ ስኢነዮ
ላላሎይ ናናኖይ ላላሎይ ናናኖይ
ኮኾብ ሰማይ ኮኾብ ሰማይ
ተመለሲ ልበይ ኣብድዮ
ኣይክእሎንየ ኣይክእሎንየ
ምልማድየ ስኢነዮ
ኮኾብ ማዕዶ ተመለሲ ተመለሲ ልበይ ኣብድዮ
ኣይክእሎንየ ኣይክእሎንየ ምልማድየ ስኢነዮ
ናናኖይ ናናኖይ ላላሎይ ናናኖይ
ኮኾብ ሰማይ ተመለሲ ተመለሲ ልበይ ኣብድዮ
ኣይክእሎንየ ኣይክእሎንየ ምልማድየ ስኢነዮ
ኮኾብ ሰማይ ኮኸብ ማዕዶ ተመለሲ ልበይ ኣብድዮ
ኣይክእሎንየ ኣይክእሎንየ ምልማድየ ስኢነዮ
ላላሎይ ናናኖይ ላላሎይ ናናኖይ
Written by: Danial Tamere Tekle

Shazam Footer

Select language:
Google Play Store
Apple App Store
Chrome Web Store
Galaxy Store

Follow Us

Loading...