音乐视频

精选于

制作

出演艺人
Thomas Alazar
Thomas Alazar
表演者
作曲和作词
Thomas Alazar
Thomas Alazar
作曲

歌词

ኣሕዋተይ'ዶ ኣይኮኑን እቶም ዝገሹ
እቶም ዝገሹ ንዓይ ንኸሕሹ
ናይ መኖም እሞ ወሲደ ኽብል'የ
ንራህዋ ኹሉ ሕልሞም እንዶ ኣይነበረን
የኽፍኣለይ ደሞ የምሕረለይ
ዘቐደምኩ ስዒሩኒ ሕልመይ
ሕልሚ በይነይ ንዓይ ክጥዕመኒ
ዝሓለምክዎስ ሕጂ የሕፊሩኒ
ንግሆ ዝቖረሰን ዘይቆረሰን ሓደ ኾይኑ ኩሉ እንዳምቧሃቐ
ንግሆ ዝቖረሰን ዘይቆረሰን ሓደ ኾይኑ ኩሉ እንዳምቧሃቐ
እቲ ዝረኸበ ረኺበ ኢሉ ከይዕገስ
እቲ ዝሰኣነ ንኽረክብ ከይብገስ
ኩሉ ሓደ ኾይኑ [?]
ኩሉ ሓደ ኾይኑ [?]
እቲ ዘመስግን እቲ ዘመስግን ኣታ መን ድኣሉ
እቲ ዘመስግን እቲ ዘመስግን መን ድኣሉ
ኣታ ኽንደይ ኣሎ እዛ ኽዳኑ ሓንቲ ኽንሳ
እናጸራረየ ዝለብሳ
ዋላ'ኳ ኣይጥዓሞ ዓቕሉ እንከየጽበበ
ንጽባሕ ዝጽበ
መን ጥዑም ዘይፈቱ መን'ከ ሽግር እደልያ
ኩሉ ኣይርከባን'ዩ ዓለም ጎዶሎ'ያ
እታ መንገዲ ዓወት ጎቦን እሾኽን'ያ
ቅናትካ ዘይምፍታሕ ስረ ትሓትት'ያ
ሎሚ'ውን ተዋጽእ ከም ትማል ምንካስ'ያ
ኣሕዋተይ'ዶ ኣይኮኑን እቶም ዝገሹ
እቶም ዝገሹ ንዓይ ንኸሕሹ
ናይ መኖም እሞ ወሲደ ኽብል'የ
ንራህዋ ኹሉ ሕልሞም እንዶ ኣይነበረን
የኽፍኣለይ ደሞ የምሕረለይ
ዘቐደምኩ ስዒሩኒ ሕልመይ
ሕልሚ በይነይ ንዓይ ክጥዕመኒ
ዝሓለምክዎስ ሕጂ የሕፊሩኒ
ንግሆ ዝቖረሰን ዘይቆረሰን ሓደ ኾይኑ ኩሉ እንዳምቧሃቐ
ንግሆ ዝቖረሰን ዘይቆረሰን ሓደ ኾይኑ ኩሉ እንዳምቧሃቐ
እቲ ዝረኸበ ረኺበ ኢሉ ከይዕገስ
እቲ ዝሰኣነ ንኽረክብ ከይብገስ
ኩሉ ሓደ ኾይኑ [?]
ኩሉ ሓደ ኾይኑ [?]
እቲ ዘመስግን እቲ ዘመስግን ኣታ መን ድኣሉ
እቲ ዘመስግን እቲ ዘመስግን መን ድኣሉ
ኣታ ኽንደይ ኣሎ እታ ዝርካቡ ከተኣኻኽል
ንሓድሕዱ ዝጸባበ
ዋላ'ኳ ይሕሰሞ ኣብራኹ ኣሚኑ
ኣይስሕትን ማእዝኑ
መን ጥዑም ዘይፈቱ መን'ከ ሽግር እደልያ
ኩሉ ኣይርከባን'ዩ ዓለም ጎዶሎ'ያ
እታ መንገዲ ዓወት ጎቦን እሾኽን'ያ
ቅናትካ ዘይምፍታሕ ስረ ትሓትት'ያ
ሎሚ'ውን ተዋጽእ ከም ትማል ምንካስ'ያ
ለየ ለለይ
ለየ ለለይ
ለየ ለለይ
ለለ ለለ
ከምቲ ናይ ቀደም
ከም ናይ ዓንተቦ
ምጽናይ እኮ'ላ
ተስፋ እነበቦ
ኪኖ ተራ ምንባር ክዕምብብ ክፈሪ
ሰብ ንታሪኹ'ዩ ዝነብር ኣብ ምድሪ
ነብስኻ ገኒሕካ ንሓፋሽ ክትበሊ
ሰብ'ውን ትደሊ'ያ ልክዕ ከም ሰብ ገድሊ
ኪኖ ተራ ምንባር ክዕምብብ ክፈሪ
ሰብ ንታሪኹ'ዩ ዝነብር ኣብ ምድሪ
ነብስኻ ገኒሕካ ንሓፋሽ ክትበሊ
ሰብ'ውን ትደሊ'ያ ልክዕ ከምቶም ገድሊ
ከምቲ ናይ ቀደም
ከም ናይ ዓንተቦ
ምጽናይ እኮ'ላ
ተስፋ እነበቦ
ለየ ድድይ...
ኪኖ ተራ ምንባር ክዕምብብ ክፈሪ
ሰብ ንታሪኹ'ዩ ዝነብር ኣብ ምድሪ
ነብስኻ ገኒሕካ ንሓፋሽ ክትበሊ
ሰብ'ውን ትደሊ'ያ ልክዕ ከም ሰብ ገድሊ
ከምቲ ናይ ቀደም
ከም ናይ ዓንተቦ
ምጽናይ እኮ'ላ
ተስፋ እነበቦ
ከምቲ ናይ ቀደም
ከም ናይ ዓንተቦ
ምጽናይ እኮ'ላ
ተስፋ እነበቦ
Written by: Thomas Alazar
instagramSharePathic_arrow_out