精选于

制作

出演艺人
Thomas Alazar
Thomas Alazar
表演者
作曲和作词
Thomas Alazar
Thomas Alazar
作曲

歌词

ብዘይካይ መንዩ 'ታ መን ይፈልጣ
ካብ ስማ ሓሊፉ እኒ ውሽጣ
ነገር ሰብ ኣርሚምዋ'ዩ ምበር
ናታ ኾይኑ ኣይኮነን ኣስቂጣ
ብዘይካይ መንዩ 'ታ መን ይፈልጣ
ካብ ስማ ሓሊፉ እኒ ውሽጣ
ነገር ሰብ ኣርሚምዋ'ዩ ምበር
ናታ ኾይኑ ኣይኮነን ኣስቂጣ
ከመይሉ'ዩ ምስጢር ባሕሪ ምድራዊ ዝፈልጦ እንትርፎ ዓሳ
ከመይሉ'ዩ ባህሪ ጥሪት ማንም ክዓዮ እንትርፎ ጓሳ
ከመይሉ ደኣ'ሞ ልዕለይ ካልእ ዝፈልጣ
ኣነ 'ንዴ ናታ
ኣፍንጭኣ ዝነፈጦ
ኣፍ እምበር እዝኒ'ዶ ይልፈጦ
ኣፍንጭኣ ዝነፈጦ
ኣፍ እምበር እዝኒ'ዶ ይልፈጦ
ዘይ ንዓዩ ጽቡቓ ክፉኣ
ኣይትሕመሙ ተሓመምኩ ስሊኣ
ዘይ ንዓዩ ጽቡቓ ክፉኣ
ኣይትሕመሙ ተሓመምኩ ስሊኣ
ተደፊኑ መሊኻቶ ትብሉኒ
ተሃሚሉ ሓይራቶ ትብሉኒ
ኣብ ዓይነይ ዝኣተወኒ ገፈል እኳያ
የዒንታ ዘሳሕያ
ከመይ ዘይሓመላ
ከመይ ዘይዓብደላ
ሃሃሃ...
ካልእ'ኳ ምኾንኩላ
ብዘይካይ መንዩ 'ታ መን ይፈልጣ
ካብ ስማ ሓሊፉ እኒ ውሽጣ
ነገር ሰብ ኣርሚምዋ'ዩ ምበር
ናታ ኾይኑ ኣይኮነን ኣስቂጣ
ብዘይካይ መንዩ 'ታ መን ይፈልጣ
ካብ ስማ ሓሊፉ እኒ ውሽጣ
ነገር ሰብ ኣርሚምዋ'ዩ ምበር
ናታ ኾይኑ ኣይኮነን ኣስቂጣ
ከመይሉ'ዩ ምስጢር ባሕሪ ምድራዊ ዝፈልጦ እንትርፎ ዓሳ
ከመይሉ'ዩ ባህሪ ጥሪት ማንም ክዓዮ እንትርፎ ጓሳ
ከመይሉ ደኣ'ሞ ልዕለይ ካልእ ዝፈልጣ
ኣነ 'ንዴ ናታ
ኣፍንጭኣ ዝነፈጦ
ኣፍ እምበር እዝኒ'ዶ ይልፈጦ
ኣፍንጭኣ ዝነፈጦ
ኣፍ እምበር እዝኒ'ዶ ይልፈጦ
ዘይ ንዓዩ ጽቡቓ ክፉኣ
ኣይትሕመሙ ተሓመምኩ ስሊኣ
ዘይ ንዓዩ ጽቡቓ ክፉኣ
ኣይትሕመሙ ተሓመምኩ ስሊኣ
ተደፊኑ መሊኻቶ ትብሉኒ
ተሃሚሉ ሓይራቶ ትብሉኒ
ጸገመይ ድኻመይ ጾር ውሽጠይ
እሳ ትግደዖ
ከመይ ዘይሓልፈላ
ከመይ ዘይሓመላ
ሃሃሃ...
ካልእ'ኳ ምኾንኩላ
መንያ ይፈልጣ'ዩ ልበይ
ኣይደልን'ዩ ምንጋር
ይፈልጣ
ሰሓቕ ሙኻኑ መፍቶታ
መንያ ይፈልጣ'ዩ ልበይ
ኣይደልን'ዩ ምንጋር
ይፈልጣ
ሰሓቕ ሙኻኑ መፍቶታ
ኣሃ ኣሃይ ግን
ወሪኣ ኣይኮነን እዚ ወረ
መን ክፈልጣ 'ይሉ ኸ ልዕሊ ኣነ
ወሪኣ ኣይኮነን እዚ ወረ
መን ክፈልጣ 'ይሉ ኸ ልዕሊ ኣነ
ከምዚ ተዕልሉላ ተኾይኑ እምነትኩም
ግደፍዎ ንዓይ እምበር እንታያ ንዓኹም
ግደፍዋ ኣይትሕመሙ ዝሓመላ'ለዋ
ኣሃ ኣሃይ ግን
ወሪኣ ኣይኮነን እዚ ወረ
መን ክፈልጣ 'ይሉ ኸ ልዕሊ ኣነ
ወሪኣ ኣይኮነን እዚ ወረ
መን ክፈልጣ 'ይሉ ልዕሊ ኣነ
ከምዚ ተዕልሉላ ተኾይኑ እምነትኩም
ግደፍዎ ንዓይ እምበር እንታያ ንዓኹም
ግደፍዋ ኣይትሕመሙ ዝሓመላ'ለዋ
ግደፍዋ ኣይትሕመሙ ዝሓመላ'ለዋ
ግደፍዋ ንዓይ እምበር እንታያ ንዓኹም
ግደፍዋ ኣይትሕመሙ ዝሓመላ'ለዋ
ግደፍዋ ኣይትሕመሙ ዝሓመላ'ለዋ
ግደፍዎ ኣይትሕመሙ ዝሓመላ'ለዋ
ኣይትሕመሙ ዝሓመላ'ለዋ
ኣይትሕመሙ ዝሓመላ'ለዋ
ኣይትሕመሙ ዝሓመላ'ለዋ
ኣይትሕመሙ ዝሓመላ'ለዋ
Written by: Thomas Alazar
instagramSharePathic_arrow_out